Wazema Radio Logoኢትዮጵያ ሕዚ በፂሓቶ ዘላ ፖለቲካዊ ቅልውላው ካብቲ ልሙድ ብዝተፈለየ ዝኽፈኧ ሃደጋ ዝሓዘ ኮይኑ ይርአይ አሎ፡፡ ነዚ ፖለቲካዊ ቅልውላው “ምስዓን ፅቡቅ ምምህዳር፣ ናይ ዲሞክራሲ ዘይምምዕባል” እንዳበሉ ብምግላፅ ነዚ አብ ቅድሜና ጠጠው ይሉ ዘሎ ሓደጋ አናኢስካ ምርዓይን ልሙድ ፀገም አምሲሉ ናይ ምቅራብ ግጉይ ኣረዳድአ ዕዩ፡፡ ምክንያቱ ድማ፣ ብዛዕባ ፅቡቅ ምምህዳርም ይኹን ብዛዕባ ምዕባለ ዲሞክራሲ ንምዝርራብ አቅድሚሞም ኽማልዑ ዝግብኦም ኩነታት ስለዘለዉ እዩ፡፡ እዚኦም ኩነታት ድማ ብሠላም እትነብር ሀገር፣ ብሕይወት ናይ ምንባርን አብ መሠረታዊ ፖለቲካዊ መሰላት ንኸሳተፉ መሰሎም እተከበረሎም ዜጋታትን ንዚኦም ተፈጻሚ ምግባር ዝክእል ምምህድዳር እዮም፡፡ አብዚ ግዜ እዚ እዚኦም ቅድመ ኹነታት እንዳጠፍኡ ይርከቡ ወይድማ ጠፊኦም አለዉ፡፡

ሃገርና ሕዚ እትርከበሉ ሓደገኛ ኩነታት ብሓፂሩ ንምግላፅ፣

ሀ. ዜጋታት እታ ሀገር ቅድሚ ሕዚ አብ መንግሥቲ አህዲሮምዎ ዝነበረ ዝንአሰ ቅቡልነትን ተዓማኒነትን እብ ሕዚ እዋን ፈጺሙ ጠፊኡ አሎ፤

ለ. ሕወሓት/ኢህወደግን እቲ ዝመርሆ መንግሥቲን ናይ እታ ሀገር ፖለቲካዊ ድሌታት፣ ሕቶታት፣ ናይ መማረፂ ሜላታትን ተታሐሒዞም ኽመፁ ንዝክዕሉ ሓደጋታት ሕርድዑ አይከዓሉን፡፡

ሐ. ንሕቶታቶም ብሠላማዊ አግባብ ንምቅራብ አብ ዝፍትኑ ዜጋታት ጭካነ ዝተመልኦ ስጉምቲ ምውሳዱ አጋፊሁ ቀፂሉ ይርከብ፡፡ ብሰንኪ እዙይ ብዙሕ ወገናት ይቅተሉ አለዉ፡፡ ካልኦት ድማ ማዕሰርቲ፣ ግርፋትን ስቃይን ይወርዶም አሎ፡፡ እዚ ግጉይ ዝኾነ ተግባር ጠጠው ተዘይ ይሉ አብ ውሽጢ ብዙሓት ሰባት ሃደገኛ ህርቀትን ቂም በቀልን ምፍጣሩ አይተርፍን፡፡

መ. መንግሥቲ በቲ ዝኽተሎ ንኹሉ ድምፂ ብሓይሊ ናይ ምዕፋን አካይዳ ዝተለዐለ እቲ ናይ ፖለቲካ ምህዳር ፈጺሙ ተዓጺዩ እዩ፡፡ ቀሊል ዘይብሃልን በብማዓልቲ ዝውስኽ ቁጽሪ ዘለዎ ሕዝቢ አብ መንግሥቲን አብ ሠላማዊ ቃልሲን ተስፋ ይቆርፅ አሎ፡፡ እዚ ኩነታት እዚ ናበይ ይስህበና ከም ዘሎ ናይ ቀረባ ዕዋን ታሪኽና አስተምሓሪ ኽኾነና ይግባዕ ኔሩ፡፡

ሠ. መንነት ብሔረሰባትን መሠልን ብናይምክባር ስም አብ ማዕከል ሕዝብታት ሀገርና ኽዝራዕ ዝቀነየ ጥርጣረን ዘይምዕትምማንን፣ ብምመግሥቲን ብካልዖት ጉጅለታትን ጎስጓስነት አዚዩ ተጓኻኺሩ አሎ፡፡ ናይ ምትህብባርን ምትዕምማንን ምልክታት ህዚውን አለዉ፤ ማኅበራዊን ባሕላዊን ርክባትውን አይጠፍዑን፡፡ ይኹን እምበር ሕዚ እዝርከቡሉ ኹነታት ብሓባር ናይ ፖለቲካዊ ፍትሕ ንምምፃዕ ዝኽዕሉ ምኳኖም አብ ዝፍተነሉ ግዜ በፂኽና አለና፡፡

ረ. ብፍሉይ፣ ብምፍላጥ ይኹን ብዘይ ምፍላጥ ንሕዝቢ ትግራይ ካብ ካሊዕ ኢትዮጵያዊ ተፈልዩ ንኽረኧ ዝግበር ሓደገኛ ምንቅስቃሳት ይርአይ አሎ፡፡ ናይዚ ቀንዲ መበገሲ አመራርሓን፣ ተግባርን ፕሮፓጋንዳን ሕወሓት እንተኾነ እውን ካልኦትውን ናብዚ ሓዊ ነዳዲ ምውሳኮም ቀፂሎምሉ አለዉ፡፡ በዚ ምኽንያት መብዛኽትኦም ተጋሩ ካብ ክልተ ዝሰዓነ መሲሎም አብውሽጢ ፍርሒ ኮይኖም ይራዐዩ አለዉ፡፡ ናይ ሕዝብታት ኦሮሞን አምሓራን ናይ ፖለቲካ ምሑራን ንኽይተአማመኑ ዝግበር ዘሎ ፈተነውን ቀፂሉ ይርከብ፡፡ ነዚኦም ሳዕቤናዊ አካይዳታት ብሓባር ኽንመልሶም ይግባዕ፡፡

ሰ. ሕወሓት/ኢህወደግ ናይታ ሀገር ጭቡጥ ፖለቲካዊ ሃቂ ካብምክሓድ ወፂዩ ነቲ ሃቂ ንኽቅበል አይኸአለን፡፡ አፍልጦ ንዘይወሃቦ ፀገም መልሲ ኽምፅዕ እዩ ይልካ ምፅባይ ዕሽነት እዩ፡፡ ሕወሓት/ኢህወደግ ነታ ሀገር ብግዜ ካብጥፍአት ንምድሓን ናብዝኽዕል ሃቀኛ ናይ ፖለቲካ ዝርርብ ንኽመፅዕ ፀቅጢ ኽግበረሉን ንኽግደድን ከምዘለዎ ዘከራኽር አይኮነን፡፡

ሸ. ሀገራት ተመሳሳሊ ናይ ፖለቲካ ቅልውላው ኸጋጥመን እንተሎ፣ ካብቲ ቅልውላው ናይመውፅዒ ወሳናይ ቁልፊ ዝርከብ አብቶም ሥልጣን ዝሃዙ ሰባትን ጉጅለታትን እዩ፡፡ ካልኦት ናይ ፖለቲካን ናይ ሲቪክ ጉጅለታት ንዲሞክራሲያዊ ሽግግር ዘይትካዕ ሃገዝ ክሕቡ ይኽዕሉ እዮም፡፡ ይኹን እምበር ሥልጣን ዝሃዙ ወገናት ነቲ ናይለውጢ ንፋስ መሠረታዊ አካይዳ ናይ ምውሳን አቅሚውን አይስእኑን፡፡ ኢህወደግ ነታ ሀገር አብዪ ዋጋ ናብ ዛኽፍላ ናይ ምጥፍፋዕ፣ ምፍልላይን ናብ ውሽጣዊ ውግዕ ከይወስዳ ምኽልካል ናይ ኹልና ናይሓባር ሓላፍነት እዩ፡፡

ቀ. “ኢትዮጵያ አይትፈርስን፣ ደጊም ናብ ውሽጣዊ ውግዕ አይንአትውን፣ አብ ኢትዮጵያ መሠረቱ ናይ ብሔር መንነት ዝኾነ ዝተደራጀወ መጥቃዕቲ ኽፍፀም አይክዕልን፤ ወዘተ.” እንዳበሉ ንባዕልኻ ምዕሻውን ምዝንጋዕን አዚዩ ከቢድ ዋጋ ኻኽፍለና ይኽዕል እዩ፡፡

ናይዞም ኹነታት ድምራዊ ውጽኢት ነታ ሀገር አብ ሓጺር እዋን ንኹልና ኽጎድዕ ናብዝኽዕል ቅልውላው ንኽትአትው ንኽገድዳ ይኽዕል እዩ፡፡ እዚ ካብምዃኑ አቅዲሙ ብውልቂን ብጉጅለን ብምንቅስቃስ ነቲ ሓደጋ ኽነትርፎ ይግባዕ፡፡ ብቀጻሊ ንኹሉ ዜጋ እታ ሀገር ብማዕረ ዝርዒ፣ ሕጊ ዝኽበረሉ፣ ናይ ዜጋታት መሠረታዊ መሠላት ዝኽበሩሉ ሥርዓት ንኽንሓንፅ እንኽዕለሉ ዕድል ኽነብረና ይኽዕል እዩ፡፡

እዚኦም ኹነታት ንኹልና ሓተሓሳስቡና ከምዝኽዕሉ ንግንዘብ፡፡ እዚ መሳሊ ግዜ ነቲ ሓላፊነትና ካልኦት ንኽፍፅሙልና እንፅበየሉ አይኾነን፡፡ አተሓሳሳቢ ሓደገኛ ኹነታትን ናይ ምቅያር ቀዳማይ ስጉምቲ ነቲ ስግዓት ንባዕሉን፣ ከምዑእውን ነቲ መፍትሔ ዝብልዎን ንኽስማዕ ምግባር ከምዝኾነ ነዓምን ኢና፡፡ በዚ መበገሲውን፣ ናይ ራዲዮ ዋዜማ ኤዲቶሪያል ጉጅለ ነዚኦም ፃውዒታት ብትሕና ንኩሎም ወገናት ያቅርብ፡፡ እቶም ሓሳባት ፅቡቅ ኮይኖም እንድኽር ረኺብክምዎን ተከተልዎም፡፡ ጌጋ ተኮየኖም አእሪኹም ተግብርዎም፡፡ ጻውዒትናን ተማፅኖናን ናብቶም ጥዑይ ሕሊና ዘለዎም ኹሉ ይብፃሕ፡፡

1. ብዝኾነ መንገዲ አብንፈልጦምን አብንረኽቦምን ናይ ኢህወደግ አመራርሓን አባላትን ፀቅጢ ምግባር፡፡ እዚውን ስግዓትናን፣ ድሌትናን ከምዑውን ነቲ ሓደጋ ብዘይምትኽብባዕ ብግልፂ ምርዳዕ፣ ምክርካርን፣ ናይ እጃሞም ንኽገብሩ ምድፍፋዕን ኩሉ ዝሓዘ እዩ፡፡

2. ብዝኾነ መንገዲ ብውልቂ አብ እንፈልጦምን እንረኽቦምን ናይ ክልልን ፌደራልን ፖሊሳት፣ ናይ ኃይሊ መከላከሊን ናይ ኃለዋ ፀጥታ አመራርኻታትን ተራ አባላትን ፀቅጢ ምግባር፡፡ ብፍሉይ እቲ ዝፍፀም ዘሎ ናይ ጅምላ ማዕሰርቲ፣ ስቃይን፣ ምኽትታልን ጠጠው ንኽብል ብውልቆም ይኹን ምስ መሳርሕቶም ንኽፅዕሩ ምንጋርን፣ ምዕማንን ምድፍፋዕን የድልይ፡፡

3. ናይ እታ ሀገር ዝምልከት ይግባዓና ዝብሉ ናይ ፖለቲካ ጉጅለታት ብዘይ ገለ ፀገም ንዝርርብን ምይይጥን ድልዋት ምዃን ይግብኦም እዩ፡፡ በዚ አግባብ እውን መሠረታዊ አቅጣጫ ዝሕብር፣ ነታ ሀገር ብሕዝቢ ዝምረፅ መንግሥቲ ኽሳዕ ዝርከባ ንዝነብር አካይዳ ዘርኢ ናይ ሃባር ናይ ድርጊት መርሃ ግብሪ (Road map) አዳልዮም ንሕዝቢ ንኽፍልጡ፡፡ እዚ ምይይጥን ዝርርብን ብዝተካአለ መጠን ንኹሉ ዘሳትፍ እንተዝኸውን ይምረፅ፡፡ እዚ አካይዳ አብ ዓዲ ይኹን አብ ወፃዒ ብዝከኣል መንገዲ ተፈፃሚ ሕኽውን ይግባዕ፡፡ ዝተፈላለዩ ዝርርባት ነናይባዕሎም መማረፂታት ንሕዝቢ ንኽቅርቡውን ይኽእሉ እዮም፡፡ እቲ ዋና ነጥቢ ንሕዝቢ ነቲ መፃኢ ግዜ ዝኽብሩን ተስፋ ዝኽቡ ሓሳባት ምቅራቦም እዩ፡፡

እዚ ኽግበር እንተሎ ሠለስተ መሠረታዊ ነጥብታት ኽዝለሉ አይግባዕን ይልና ንዓምን፡፡ ንሳቶምውን (ሀ) ንኹሉ ነገር ካብ ዜሮ ምጅማር የብልናን፡፡ (ለ) እቲ እንምስርቶ ሥርዓት መሠረታዊ ናይ ዴሞክራሲያዊ መርሖታት ብተግባር ዘኽብር ሕኸውን አለዎ፤ (ሐ) ሥርዓት ፌደራል አወቃቅራ መንግሥቲ ንዴሞክራሲያዊ ሽግግር ዋና መበገሲ ኮይኑ ኽውሰድ አለዎ፡፡

4. ጉዳይ እታ ሀገር ይምልከተና ዝብሉ ናይ ሲቪክ ጉጅለታትና ማኅበራትን ብወገኖም ናይባዕሎም ሓላፍነት ብውልቂ ይኹን ብሓባር ኽፍፅሙ አለዎም፡፡ እዚኦም ናይ ሲቪክ ማኅበራት ንባዕሎም ካብ ናይ ፖለቲካ ጉጅለታት ጸቅጢ ኽከላከሉ ይግባዕ፣ ካብዑ ሓሊፎምውን ነቶም ፖለቲካ ኃይሊታት ምኽሪ ምሓብን ምግሳፅን ኸጠንክሩ አለዎም፡፡ ንሀገር ይጠቅም ዝብልዎ ናይ ሃባር ምኽረ ሓሳብ ንሕዝቢ ተዘቅርቡ ዓቢዪ አበርክቶ ይኸውን፡፡ እዚ አብ ውሽጢ ሀገርን አብ ወጻዒ ንዝርኸቡ ዝምልከት እዩ፡፡ ኩሎም ከከም ከባቢኦም አብዝጠዓሞም ተቀራሪቦም ምክሪ ምግባርን ምርኻብን ይኽእሉ እዮም፡፡ (እዚ ብዝተፈላለየ ቅርፂን ዕላማን ዝተጣየሹ ከም ናይ ዕምነት፣ ናይሞያ ማኅበራትን ጉጅለታትንን ዘጠቃልል ኮይኑ፣ ነዚ ዕላማ ዝፍጠሩ ጉጅለታትውን ዝምልከት እዩ)

5. ፖለቲካዊ አረዳድኣ፣ ናይ ብሔርም ይኹን ናይ ሓይማኖት ፍልልይ ከይአንቀፈና ኹነታት ከም ዝፈቀዱልና ካብትልሙድ ብዝበለጸ ምርካብ፣ ነቲ ንቡር ማኅበራዊ መስተጋብርን ናይ ሕውነት መንፈስ ምጥንኻር አድላይ ኮይኑ ይርአይ አሎ፡፡ እዚ ምንቅስቃስ አብ ልዕሊ ኹሉ ወገን ምትዕምማን ብዝበለፀ ንኽሰርፅ ይገብርዩ፣ ነቲ ዝተዘርዕ ናይ ምጥርጣር ዘርዒ የጥፍዕዩ፣ ፀገም ተመፅዩና ብቀሊል ንኽንተሓጋገዝ ንኽዕሊና፡፡

6. ኢትዮጵያውያን ናይ ሃባር ሕማሞን ተስፋኦምን ብዝምልከት ዝዘራረቡሉ ናይ ሃባር መድረኻት ብዝተካኣለ ምግፋሕ፡፡ ዜጋታት እቲ ሃደ ስለ እቲ ካልዕ ከምዝሃስብ፣ ከምዝጭነቅ ምዝራብውን ምስማዕውን ይደልዩ እዮም፡፡ ኢትዮጵያውያን ናይ ወገኖም ናይፍቅሪ፣ ናይምትዕምማን ከምኡውን ናይ ተስፋ ድምጺታት ምስማዕ ይደልዩ እዮም፡፡ ኢትዮጵያውያን ምስባዕሎም ንኽዕረቁ ይደልዩ እዮም፤ ንወገኖም ናይ ሃባርን ናይ ውልቂን ህማም ዘለዎም ሃዘን ምግላጽውን ይደልዩ እዮም፡፡ አብ ሞንጎኦም ዘሎ ፍልልይ ብዘይ ፅልዒን ኽልኽን ምምይያጥ ይደልዩ እዮም፡፡ ንካሊዕ ዘይተፀበና ድምጽና ንሰማማዕ፡፡

7. ዘረባ ፅልዒ መበገሲ ጥፍዓት እዩ፡፡ ብውልቂ ይኹን ብጋሒዲ አብ ዝኮነ ኹነታት ውሽጢ አብ ሃደ ብሔር፣ ሃይማኖት ከምዑውን አብ ዝኮነ ናይ ሰባት ሕብረት ዘረባ ፅልዒ ዘይምግባርን ነዚ ካብ ዝዓመሰሉ ተግባራት ምርሓቅ መበገሲ ሠላም እዩ፡፡ ንዘረባ ፅልዒ ምጥፋዕ ግዴታና እዩ፡፡ ተፈፂሙ እንተረኺብና ጌጋ ምዃኑ ምርዳዕ ናይ ኩልና ውልቃዊ ኃላፍነት እዩ፡፡

ፍልልይ ፖለቲካዊ አረዳድኣ ንምርኣይ ናይ ካሊዕ ወገን ሰብዓዊነት ምክሓድን ከምካሊዕ ፍጡር ምስዓል፣ ሃደ ውልቀሰብ ነቲ ዝመፀሉ ሕብረተሰብ ከምሰብ ከይቁፀሩ ምንቅስቃስ ምግባርን ዝአመሰሉን ካብ ሓደገኛ ናይ ፅልዒ ዘረባ ዝቁፀሩ እዮም፡፡ ካብ ዘረባ ፅልዒ ረብሓ ዝረክብ ሀገር የለን፡፡

8. ሕዝቢ ዓለም ኢትዮጵያ እትርከበሉ ኹነታትን ነቲ ፅላሎቱ የርእይ ዘሎ ሓደጋ ብጭቡጥ ንኽርዳዕ ብሜላን ብንፍዓትን ምንቅስቃስ አድላዪ እዩ፡፡ እዚ ዕላማ ካብ ሰላማዊ ሰልፍታት ካብምግባርን፣ ካብ ኽልኽን ሕርቀትን ምግላጽ ዝበለጸ ምዃኑ ምስትውኣል ይግባዕ፡፡

9. አብ ውሽጢ ዓዲ ይኹን አብ ወፃኢ ሀገራት ዝርከቡ ናይ መራኺቢ ማዕኸናትን ጋዜጠኛታትን ሀገርና ነዚ ግዜ ሰጊራ ናብ ዝሃሸ ምዕራፍ ምዕንታን ንኽተሰጋር ተመሣሣሊ ፃውዒትን መልእኽትታትን ያመሓላልፉ ይልና ነዓምን፡፡ ዝክዓል እንተኮዩኑ እውን፣ ተመሣሣሊ ርዕሰ አናቅጽ አብ ተመሣሣሊ ግዜ ንኽስምዑ፣ ወይድማ ብካሊዕ ብዝጥዕሞም መንገዲ ብሓባር ድምፆም ንኽስምዑ ንልምን፡፡

ጻውዒትናን ተማፅኖናን ብዘይ ፍልልይ ናብቶም ጥዑይ ሕሊና ዘለዎም ኢትዮጵያውያን ኹሉ ይብፃሕ፡፡

ራዲዮ ዋዜማ

ሓምለ 2008